الرئيسية / الرئيسية / ብ ቤ/ጽ ወጻኢ ዝምድናታት ዝተዳለወ መግግልጺ

ብ ቤ/ጽ ወጻኢ ዝምድናታት ዝተዳለወ መግግልጺ

17-ነሓሰ -2020

ብ ቤ/ጽ ወጻኢ ዝምድናታት ዝተዳለወ መግግልጺ

ብዕለት 14-ነሓሰ-2020 ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ኣብቲ ብ ሸገር ፕሮጀክት ዝተሰየመ ዋዕላ ብዛዕባ ሃብቲ ባሕሪ ኢትዮጵያ ኣብ ዝገልጸሉ ዝነበረ እዋን፡ናይ ግዜ መግዛእቲ ካርታ ተጠቒሙ ን ማያት ቀይሕ ባሕርና ከም ሃብቲ ኢትዮጵያ ምቕራቡ ኣደንጻዊ ጉዳይ ኮይኑ፡ እዚ ብደም ጀጋኑ ስዉኣትናን ዓለምለኸ ረፈረንዶም ብምግባር ዘውሓስናዮ መሬትናን ባሕርናን፡ ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ብኸምዚ ክገልጾ ምርኣይ ሓድሽ ሓደገኛ ክስተት እዩ።

በዚ ኣጋጣሚ እዚ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ነቲ ዝቐረበ ካርታኣዊ መግለጺ ምምዕርራይ ክግበረሉ እንዳ ዐውዔ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ምሕዝነት ክልቲኡ ህዝብታት ኣብ ሓደጋ ዘውድቅ ተርእዮታት ክቁጠብ ንጽውዕ።

ክብርን መጎስን ንሰማእታትና!

ቤ/ጽ ወጻኢ ዝምድናታት