Search
Close this search box.

ኤርትራዊ ሃገራዊ ዲሞክራስያዊ ልፍንቲ ጋዜጣዊመግለጺ 

          

ጋዜጣዊ መግለጺ

ሕብረት ኣፍሪቃ ብናይ ናይጀርያ ፕረዚደንት ነበር ኦሉሰጉን ኦባሳንጆ ዝምራሕ ሽምግልና ኣቢሉ ድሕሪ ናይ ዓሰርተ መዓልታት ዘተ፣ ካብ ምቁራጽ ተኹሲ ጀሚሩ ከምኡውን ስዒቡ ዝመጽእ ስምምዓትን፡ ከምኡውን ሕግን ስርዓትን ምምስራትን፣ ነቲ ንኽልተ ዓመት ዝቐጸለ ኣዕናዊ ኲናት ደው ንምባል ዝዓለመ ኩለመዳያዊ ስምምዕ ሰላም” ኣብ ምፍራም ክብጻሕ ተኻኢሉ እዚ ንኢትዮጵያ ካብ ምብትታን ዝዕቅባን፣ ሰላምን ምዕባለን ሓድነትን ድማ ዘረጋገጽ ስጉምቲ ኢዩ። ተሳትፎ ዝተፈላለዩ ኣቀራረብቲ ኣካላት፣ ብፍላይ ድማ ኣውሮጳውያንን ኣሜሪካውያንን ዝተጻወትዎ ሓያል ተራን፡ ቅድሚ እዚ ድማ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ረብሓ ህዝቦምን ሃገረሞን ቀዳምነት ኣብ ምሃብ ዘርኣዮ ሓላፍነታዊ ከይዲ፣ ናብቲ ዝተኸተመ ስምምዕ ንምብጻሕ ክከኣል ገይሩ።

ኤርትራዊ ሃገራዊ ዲሚክራስያዊ ልፍንቲ፡ ንተዛተይቲ ኣካላት ኢትዮጵያ በዚ ዓወትን ነቲ ምረት ናይቲ ደማዊ ኲናት ንምስጋር ትብዓትን ሓላፍነት ብምርኣዮም እንቋዕ ሓጎሰኩም ብምባል፡ ንውዕላት እቲ ስምምዕ ኣብ ምትግባር፡ያዳ ሓልፍነትን ልቦናን ከርእዮ ትጽቢትና ዓቢ ኢዩ። ኣብዚ መዳይ’ዚ ግደ መንጐኛታት፣ ብፍላይ ድማ ሕብረት ኣፍሪቃን መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃን ነቲ ኣብ መስርሕ ዘተ ዝተራእየ በዳሂ ጉዳያት ሰጊሮም ናብዚ ታሪኻዊ ስምምዕ ንምብጻሕ ዝገበረዎ ጻዕሪ  ኣድናቖትና ብምግላጽ፣ እዚ ታሪኻዊ ስምምዕ እንተድኣ ተዓዊቱ ንኣፍሪቃ ዓቢ ዝና ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ሽግራት ብዘይ ግዳማዊ ምትእትታው ኣብ ምፍታሕ ድማ  ከም ኣብነት ክኸውን ይኽእል ኢዩ ዕግበት ኣሎና።

እዚ ኲናት ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ብዙሓት ግዳያት ዝገደፈ ኮይኑ፡ ሰላም ኣብ መላእ ዞባና ዘላቕን ኩለመዳያውን ንኽኸውን፡ ብመሰረት እቲ ብኣህጉራዊ ሽማግለ ኣብ ሄግ ዝተበየነ ናይ መወዳእታን ቀያድን  ውሳነ መንግስቲ ኢትዮጵያን ኣህጉራውያን መንጐኛታትን ብህጹጽ መስርሕ ምሕንጻጽ ዶብ ክጅምሩ ንጽውዕ። ምኽንያቱ ድማ እዚ ኣገዳሲ ስጉምቲ ምስ ዝውሰድ  ወተሃደራዊ ምትፍናን ኣብ ክልቲኦም ሃገራት ደው ብምባል፣ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ካልኦት ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃን ፍረ ዘለዎ ምትሕብባርን ውህደትን ከመዝግብ ዓቢ ተኽእሎ ኣሎ። ኣብ ርእሲ’ዚ እውን  ኣብ ሃገርና ፖለቲካውን ቁጠባውን ለውጢ ንኸይጅምርን፡ ከምኡውን ገደብ ኣልቦ ግዱድ ወተሃደራዊ ኣገልግሎትክቕጽልን፣ ስርዓት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ጉዳይ ዶብ ኣብ ግቡእ መዕረፊኡ ዘይምብጽሑ ከም ምስምስ ኣብ ቅድሚ ህዝብና ክጥቀመሉ ከም ዝጸንሐ ዝተፈልጠ ኢዩ።

ሓባራዊ ላዕለዋይ መሪሕነት

ኤርትራዊ ሃገራዊ ደሞክራስያዊ ልፍንቲ

4  ሕዳር 2022 .

ንኻልኦት ኣካፍሎም