ምድብ
ምስኡ እተተሓሓዘ ዜና

ኣፍደገ ባሕሪ ጥንታዊ ሕልሚ መራሕቲ ኢትዮጵያ ሙኻኑ ፍሉጥ ኮይኑ፡

ሓተታ

ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ቅድሚ ፓርላማ ሃገሩ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኢትዮጵያ ይንዋሕ ይሕጽር ኣፋፈት ባሕሪ ክህልዋ ሙኻኑ ምግላጽ ናይ ቀይሕ ባሕሪ ሕልሚ ሙኻኑ ንጹር እዩ። ብዘይካዚ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ዝሓለፉ ኣጋጣምታት እውን ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ተዛሪቡ ምንባሩ ዝዝከር ኮይኑ እዚ ናይ መጨረሽታ መደረ ግን ንጹር ምንባሩን ኣብቲ ብ ኣጋጣሚ ምኽፋት ቤተ መዘክር ኢትዮጵያ ዝሃቦ መግለጺ ታሪኽ ኢትዮጵያ ምስ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ምዝራቡ ነዚ ዘለዎም ሕልሚ ዘራጉድ ሓቂ እዩ። ዲክታቶር እሰይያስ ነዚ ናይ ምሓዝኡ ዝኾነ ኣብይ ኣሕመድ ገባቲ መደረታት ብኸመይ ክምልሰሉ ይኸውን? ኢሰይያስ ን ልኡላውነት ሃገር ኣመኻንዩ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ወራር ምፍጻሙ ዘይርሳዕ ኮይኑ ንገባቲ መደረታት ኣብይ ኣሕመድን ሕልሙ ኣብ ገማምግም ባሕሪ ኤርትራን ግን ዕሽሽ ምባሉ ኣገራሚ እዩ። ኣብይ ኣሕመድ ብዛዕባ ታሪኽ ኢትዮጵያ ብፍላይ ቅድሚ 1991 ጸቂጡ ክዛረብ ምስማዕን፡ገለ ተረፍ መረፍ ገዛኢ ስነ ሓሳብ ዝውንኑ ሰብ መዚ ኢትዮጵያ ናይ ኤርትራ ነጻነት ከምዘይዋሓጠሎምን ፡ ነጻነት ኤርትራ ድማ ታሪኻዊ ገበን ብትግራዎት ዝተፈጸመ ሙኻኖም ብዕሊ ይዛረቡ። በቲ ኻልእ ወገን ትግራዎት ውን ኤርትራ ከም ሓደ ኣካል ትግራይ ሙኻና ብምእማን ኣፍደገታት ቀይሕ ባሕሪ ድማ ናይ ትግራይ ሙኻኑ ክዛረቡ ምዕዛብ ኣምሓሩን ትግራዎትን ኣብ ሓደ ገባቲ ስነ ሓሳብ ከምዝኣምኑ ዘርኢ እዩ።

ኣምሓሩን ካልኦት ናይ መንነት ሽግር ዘለዎም ሓይልታት ነዚ ናይ ትማሊ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ረሲዖም ሙኻኖም እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ኣሽሓት ሙሩጻት ደቁ ከፊሉ ኣብ 24 ግንቦት 1991 ንገዛኢ ሓይሊ ጸራሪጉ ዘረጋገጾ ነጻነቱን ኤርትራ ልኡላዊት ሃገር ኮይና ባንደርኣ ምስ ሃገራት ከም ተምበልብል ገይሩ እዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ዓለም ብጅግንነትን ተጻዋርነትን ህዝቢ ኤርትራ ተገሪማ ጥራይ ዘይኮነ እቲ ኣብ ኣፍሪቃ መዳርግቲ ኣልቦ ዝኾነ ዓርሞሸሽ ሰራዊት ደርግ ምስ ኩሉ ኣህጉራዊ ሓገዛቱ ተሮኾማሚሹ መራሕቲ ኩናቱን ጀነራላቱን ጉልባብ ሕፍረት ተኸዲኖም ክወጹ ምርኣይ ምስሊ ኣልቦ ሰውራዊ ዕዮ ህዝብና እዩ። ኣብዚ ክነስምረሉ ንደሊ ድማ እዚ ህዝቢ እዚ ገና ንኹሉ ኽብርታቱን ል ኡላውነትን ኣብ ምሕላው ከም ዘሎ እንዳ ኣነጸርና ተቃማሪ ጉጅለ ህግደፍ ናይ ግዝይኡ መሪሕነት ሙኻኑን ነበረ ከምዝኸውንን እንተ እዚ ሓላው ሃገሩ ዝኾነ ተባዕ ህዝቢ ነዛ ዘውዲ ኣብ ምሕላው ተጸሚዱ ከም ዘሎ ዘይምርሳዕ ከድሊ እዩ።
ጉጅለ ህግደፍ ንገባቲ መደረታት ኣብይ ኣሕመድ ምላሽ ኣይሃበን። ኣብዚ ክሕተት ዘለዎ ድማ ነቶም ንምትእትታው ሓይልታት ዲክታቶር ኣስመራ ኣብ ኩናት ትግራይ ዝድግፉ ዝነበሩን ዘለውን ዜጋታትና፡ ገባቲ መደረታት ኣብይ ኣሕመድን ሕልሚ ተጋሩን እንታይ ፍልልይ ኣለዎም? ክልቲኦም ንልኡላውነትና ዝፈታተን ተበግሶታት እንዳ ገበሩ ክንሶም ስለምንታይ ስጉምቲ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ተደጊፉ ን መደረታት ኣብይ ኣሕመድ ግን ዕሽሽ ዝብሃል? ክልቲኦም ወገናት ኢትዮጵያ ዘለዎም ሕልሚ ንምግባት ኤርትራን ህዝባን ዝዓለመ ስነ ሓሳብ ዝሓዘሉ ሙኻኖምን ህዝብና ድማ ብረታዊ ቃልሱ ዝጀመረሉ ቀንዲ ምኽንያት እዚ ገባቲ ሓሳብ ምንባሩ ምዝካር የድሊ።

ኣብ መጨረሽታ ክነመሓላልፎ ንደሊ መልእኽቲ ድማ ንኹሎም ሃገራውያን ዜጋታትናን ተቃዋሚ ደንበታቱን ነዚ ናይ ድመራ ስነ ሓሳባት ነቂሖምሉ ገና ከይ ገበለ ክገትእዎ ሃገራዊ ሓላፍነቶምን ግዜ ዘይህብ ን ልኡላውነትና ዝፈታተን ጉዳይ እዩ።

Share on facebook
Share on twitter
Share on pinterest

ንኻልኦት ኣካፍሎም