ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ብህዝባውንታ ትልለ ውድብያ ናይ ምዕዳልን ምድልዳልን መርየት ዘታኣታተወት ውድብ ኢያ ነይራ እቲ ሓቂ እዝዩ
ዓለቕቲ ኮሎ ጹሩይ ማይ ነይስተ ከም ዝብሃል ሕቡእ ኣጀንዳ ሕዙ ናብ ጀብሃ ተሰለፈ ሉኡኽ ኢትዮጵያ ኢሳያስ ሃፈወርቂ ጀብሃ ካብ ዝስለፍ ኣትሕዙ ክሳብ ምስ ወያነ መላፍቲ ሓይሊ ንጀብሃ ዝሃርማ መሪሕነት ጀብሃ ኣየለለየቶን እክዳኣ ኣብ ጀብሃ ኮሎ ዝያዳ ሕልፊ ካሎት ደቂ ከበሳ ተኣሚኑ ስጋብ ንኮርስ ከተምህሮ ንቻይና ዝሰደደቶ ሰነዳት ሰውራ ምውካስ ይካኣልዩ።
ንጭብጢ መርትዖኣብ ዝላዓለ ጽፍሒ ኣባል ተቕላሊት መሪሕነት (ቕያዳልዓማ) ምንባሩ ታሪኽ ዝምስክሮ ሓቒ ኢዪ።
እቲ ኹሉ ግርህነትን ሃገራውነትን ዲሞክራስነትን ናይ ጀብሃ ን ኢሳያስ ኣፈወርቂ መፍሓሲ ተንኮላቱን መላዕተቲ ሽርሕታቱን ንሕቡእ ኢትዮጵያዊ ተልእኩኡ ከዔውት ብዋጋ ግርህነት ጀብሃ ዓቢ ግደ ተጻዊቱ ኢዩ።እታ መጀመርያ ሰራም ጸወቱኡ ካብ ኣዲስ ኣበባ ንሰውራ ኤርትራ ክቃለሱ ንሜዳ ዛተው መብዝሕቶኦም ሙሁራት ኢዮም ነይሮም ኢሳያስ ካኣ ኣባል ተቕላሊት (ቕያዳልዓማ) ናይ ጸጥታ ሓላፊ ስለ ዝነበረ ንስልጣኑ ጠጠቒሙ ሓይሊ ኣዲስ ኣበባ (ስርያት ኣዲስ) ናይ ኢትዮጵያ ሉኡኻት ኢዮም ኢሉ ንቐንጸላ ኣሳጥሑ ንዚኣ ምኽኒት ፈጢሩ ጠፈንጭሉ።
ብድሕሪኡ ሰራም ወረራ ጸለመ ኣብ ርእሲ ጀብሃ ሓያል ፈላለይን በታን ንሃገር ተንከፍ ኣካይዱ ካብቲ ዘካይዶ ዝነበረ ጸለመታት ንደቂ ከበሳ ክርስትያን ኣብ ጎኑ ንኽስዕብዎ ንምግባር ጠፋእካ ደቂ ከበሳ ጠፋእካ ደቂ ክርስትያን ጥፋእካ ደቂ ተዛረብቲ ትግርኛ በስላም በተዓብለልካ እናበለ ነቲ ክፋል ማጆሪቲ ህዝቢ ክርስትያን ከም መሳርሒ ጥሪቱ ተጠቒሙሉ ብቐጻሊ ጀብሃ ከም ናይ ኣስላም ጥራሕ ኣስላመይቲ ውድብ ገይሮም ናብ ህዝቢ ከበሳን ህዝቢ ትግርኛ ህጽቢ ክርስትያ ረሳሕ ካብ ኩውንነት ዝነቐለ ን ኢሳያሳዊ ጥቕሚ ሓያል ፖሎቲካዊ ቐንጸላ እዩ ተኻይዱ።
እዚ ጥራሕ ውን ኣይኾነን ኣብ ፍልልይ ሕብረተስብናን መብቆልናን እና በታተነ ነታ ቕድሚ ጀብሃ ዝነበረት ባንዲራ ሰማያዊት ምድራ ኣውልዕ ብወከልቲ ህዝቤ ኤርትራ ብባይቶ ኤርትራ ዝተመርጸት ባንዲራ ዳሓር ሃይለስላሰ ዘውረዳ ኤርትራ የኢትዮጵያ ተቕላይ ግዝኣት ኢሉ ዘውረዳ ጀብሃ ኤርትራ ኢትዮጵያ ኣይኮነትን ኤርትራ ኤርትራ ኢያ ባንዴራኣ ኣለዋ ከመይ ጌሩ የውርዳ ኢላ ባንዴራኣን ሃገራን ክትመልስ ብባሕቲ መስከተም 1961 ብርታዊ ቃልሳ ብጅግና ሓምድ እድሪስ ዓዋተ ዝጀመረት ንኹሉ ህዝቢ ኤርትራ ኣሳቲፋ ኩቡር መስዋእቲ ትኸፍል ዝነበረት ከናውን ክንከፍል ኢናምእንቲ ህዝብናን ሃገርናን ።
ኢሳያስ ግን ዘየሎ ዘይ ነበረ ታሪኽ ንሕቡእ ኣጀንዱኡ ኢሳያሳዊ ድልየት ናይ ተልእኹኡ ዘማልእ ንዑኡ ተርውዮ ናይ ፍልልይ ግራምራ ባንድራ ገይሩ ብህዝቢ ዘይ ተመርጸት ባንዴራ ሰኒዑናይ ምትላልን መፋላለይትን ገይሩ ኢሳያሳውያን ስዓብቱ ጥሪቱን ብናይ ጥፍኣት መገዲ እና ተጉዕዙ ንህዝብናን ሃገርናን ኣብ ድሕረትን ድኽነትን ዘርኢ ኤርትራውያን ንምጽናትን በቢ ዝበሎም ኢሳያስ ይጋዓዙን ኣለዉ ካኣብ ሜዳ ኣትሒዝና ግደፉ ክንብል የእሪጎምና ገናውን ንጥፋት ይጋዓዙ ኣለዉ ።
ክስከ ናብቲ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስኩዎ ክመልሰኩም ነቲ ጠፋእካ ወዲ ኸበሳ ጠፋእካ ወዲ ትግርኛ ተዛራባይ ጥፋእካ ወዲ ክርስትያን ዝብሎ ዝነበረ እዝከ በዚ ሕጂ ዘለዎ እዚ ወዲ ክርስትያን ተዛራባይ ትግርኛ ወዲ ከበሳ ሕጂ ጸላሙን ቅሳነቱን መሰል ናጽነቱን ተሓልዩ ዶ ብልክዕ ኣታሓሕዛ ኢሳያስ ዝምስክሮ ኢዩ ማለት ክሉ ዝሽሕኖ ዘሎ ኢዩ እቲ ሕሰም።
እስከ ሕቡእ ኣጀንዳ ኢትዮጵያዊ ተልእኮ ኢሳያስ ኢለ ጠቒሰዮ ዘለኹ ግዜ ዘገም ኢሉ ምስ ኣርከበ ብኻድራቱ ዘይኮነ ተነጊሩዎ ንህዝቢ ኤርትራ ባዕሉ ኢሳያስ ነታ ኩቡር መሳእቲ ከፊሉ ህዝቢ ኤርትራ ልዕላውነታ ምስ ኣራጋገጸት ተመሊሱ ኔርትራ ናብ ኢትዮጵያ ክሕውሳ ኣይ ገሰርናን ንብረትና ብሙሉኡ መልስናዮ ኣለና ኣይጥፍኣን ዶብ ኣየድልየናን ኢዩ ሓደ ህዝቢ ኢና ዶ ኢሉ ነግሩናዶ? ኣብ ናጽነት ኤርትራ ዘይ ተሓጎሰ ኣብ ኣውሳ ኸይዱ ሉቡ ብጣጉኣስ ይጥብጥብ ነይሩ እዚ ኢዩ እቲ ሓቂ ።
ሕጅውን ህዝቢ ኤርትራ ዕድል ኣለካ ግድለትና ንማሃረሉ ደጋፋይን ተቓዋማይን ዝባህለሉ መርኽ ኣይ ኮናን ዘለና ምእንቲ ናጽነት ዝተኸፈሉ ዝሰንከሉን ዝተቀንዝውን ሃላኽ ጻዕሪ ዝጻዓሩን ዝተመቕሑን ከምሰብ ነዚ ከ ረሳዕና ሃገርን ህዝቢ ነውሕስ ።
ብፍላይ ብፍላይ ኣብ ጀብሃ ዝነበርና ንባዕላትና ንርእስና ተጣራሪፍና ንኻሎኦት ክንሓቁፍ ሓያልጽዕርን ተወፋይነትን ከድልየና ኢዩ ህልኽ ወዲ ህልኽ ብሕሉፍ ታሪኽ ተሓዝና ኣይንንበር ዕላማ ስዋትና ከነዕውት ድሕነት ህዝብን ሃገርን ቀዳምነት ንስራዕ ኣሎ ዝባሃል ፍልልያት ቂምን ሕድገት ጌርካ ኢዩ ሃገር ካብዚ ሕጂ ዘላቶ ከነድሕን ንኽእል እናበልኩ ነዛ ሓጻር መልኽቲ ጹሑፈይ ኣብዚ ይዛዝም።
ክብርን ዝኽርን ንዘላኣለም ንሰማእታትና
ውድቀትን ዕንወትን ሞትን ንስርዓት ህግደፍ
ካብ ገብሪሂወት ኣቡዓሸራ !!!












