ብዕለት 30 – 8 -2020 ኣብ ኩዋዜን ወረዳ ካርነሽም ኣውራጃ ሓማሰን ኤርትራ ብዕሱባት አሰያስ ኣፈወርቂ ከምቲ ገዛኢ ሃይለስላሴ ንጉስ ኢትዮጵያ ነበር ኣብ ሱሳታትን ሰብዓታትን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘውርዶ ብዝነበረ አንደገና ብዕሱባት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ክድገም ምርኣይ ዘሕዝን ጥራይ ዘይኮነ፡ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ንጉጅሌ ህግደፍ ሙሉእ ሓላፍነት ናይዞም ንጹሃን ዜጋታት እንዳ ኣሰከመት፡ እዚ ገበን እዚ ድማ ኣብቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ገበናቱ ምእሳርን ምስዋርን ኣሽሓት ደቂ ሃገር ዝውሰኽ ኮይኑ፡ ህዝብና ነዚ ነውራምን ገበነኛ ተግባራት ጉጅሌ ህግደፍ ንዘልኣለም ከምዘይርስዖን ሕኔኡ ኣብ ሓራ ዴሞክራስያዊት ኤርትራ ብልዕልና ሕጊ ክፈድዮ ሙኻኑ ርጉጽ እዩ።
ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ንስውኣትና
ዓወትን ራህዋን ንህዝቢ ኤርትራ
ቤ/ጽ ፈጻሚ ኣካል ተጋድሎ ሓርነት ኤርት