Search
Close this search box.

መግለጺ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ብኣጋጣሚ መበል 32 ዓመት ዝኽሪ ናጽነት ኤርትራ

ተቓላሳይ ህዝቢ ኤርትራ፣ሎሚ ዕለት 24 ግንቦት፣ ሃገርና ኤርትራ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ነጻ ዝወጸትሉ ዝኽሪ መበል 32 ዓመት እነብዕለሉ ኣጋጣሚ ኢዩ። እዚ ነጻነት’ዚ ብሳላ’ቲ ንኣስታት 50 ዓመታት ዝወሰደ ሰላማውን ብረታውን ቃልሲ ህዝብናን ብዝተኸፍለ ሰፍ ዘይብል መስዋእትን ዝተረጋገጸ ናጽነት ኢዩ። ህዝቢ ኤርትራ መዘንና ዘይርከቦ ቃልሲ ብምክያድ፣ መላእ መሬቱ ሓራ ከውጽእ ምስ በቅዐ፣ ኣብ ትሕቲ ሰንሰለታዊ መዋእል መግዛእቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ካብ ዘሕልፎ ዝጸንሐ ኣሰቃቒ ህይወት ተናጊፉ፣ ኣብ ትሕቲ’ቲ፣ ብተሳትፎ ኩሉ ኣካላት ሕብረተሰብና ዝቐውም ፍትሒ ዝነገሶ ስርዓት፣ ኣብ ሃገሩ መሰሉን ክብሩን ተሓልዩ ዝነብረሉ ሓዲሽ መዋእል ተፈጢሩ ኣሎ ዝብል ዓቢ ተስፋታት ከም ዝነበሮ ፍሉጥ ኢዩ። እንተኾነ ግን፣ ድሕሪ ናጽነት ስልጣን ዝበሓተ መሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ፣ ብሰንኪ’ቲ ዝወሰዶ ኣግላሊ ፖሊሲታት፣ ናይ ህዝብና ሕልምን ባህግን በኒኑ ተረፈ። እዚ መሪሕነት’ዚ ካብ’ታ ዕለት’ቲኣ ጀሚሩ፣ ኣብ ኩሉ መዳያት ኣዕናዊ ፖሊሲታት ብምኽታል፣ ሃገርና ኤርትራ ናብ ዓባይ ቤት ማእሰርቲ ቀየራ። መንእሰያትና ገደብ ኣልቦ ናብ ዝኾነ ግዴታዊ ዕስክርና ክጓርቶም ጀመረ። ኣሽሓት ኤርትራውያን ሓርበኛታትን፣ ንጹሃት ዜጋታትን፣ ብዘይ ክስን ፍርድን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከም ዝበልዩ ገበረ። ምስ ኩሎም ጎረባብቲ ሃገራት ግርጭት ብምጽሕታር’ውን፣ ኣብ ኣዕናዊ ውግኣት ኣተወ። ብሰንኪ’ዚ ንልዕሊ 30 ዓመታት ዝቕጽል ዘሎ ኣዕናዊ መርሆ ስርዓት ህግደፍ፣ ኣሽሓት ኤርትራውያን፣ ብፍላይ ድማ መንእሰያትና፣ ዝፈትውዋ ሃገሮም ራሕሪሖም እግሮም ናብ ዝመርሖም ሰላም ንምርካብ ክስደዱ ተገደዱ።ተቓላሳይ ህዝቢ ኤርትራ፣ዝኽሪ መዓልቲ ነጻነት ነብዕለሉ ኣብ ዘለናሉ ግዜ፣ ኤርትራ ሃገርና ንምድሓንን፣ ነቲ ብሰንኪ ኣዕናዊ መርሆ ገባቲ ምልካዊ ስርዓት ኣብ ኣዚዩ ሓደገኛ ኩነታት ዝርከብ ሃገራዊ ልዑላውነታን ሓድነት ህዝባን ንምዕቃብን፣ ኩሉም ሃገራውያን ሓይልታት ኣብ ፈታኒ መድረኽ ከም እንረከብ ከነስተባህል ይግባእ። ከምኡ’ውን ኣብ ዞናና ዝኸይድ ዘሎ ቅልጡፍ ኣስጋኢ ምዕባሌታት፣ ብፍላይ ድማ ኣብ መንጎ ሰራዊት ሱዳንን ተወርዋሪ ረዳኢ ሓይልን ሱዳን ተባሪዑ ዘሎ ውግእ፡ ሰላምን ርግኣትን ሃገርና ይኹን ዞናና ብኣሉታ ክጸሉ ከም ዝኽእል ኩላትና ንከታተሎ ዘሎና ጉዳይ ኢዩ። ምስ ሃገረ ሱዳንን ሓውና ዝኾነ ለዋህ ህዝባን ካብ ዘራኽበና ታሪኻዊ ዝምድናን፣ ከምኡ’ውን ኣብ ሱዳን ሰላምን ርግኣትን ክሰፍን ካብ ዘሎና ድልየትን ብምብጋስ፣ ነቲ ኣብ መንጎ ተቐናቐንቲ ኣካላት ሱዳን ብመንጎኝነት ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ኣብ ከተማ ጅዳ ዝተኸተመ ስምምዕ ብልቢ ብምድጋፍ፣ “ስምምዕ ጅዳ” ኩሎም ሃገራውያን ሓይልታት ሱዳን ዘተኣማምን ኣዕኑድ ሰላምን ርግኣትን ዲሞክራስን ኣብ ምትካል ናብ ዘብቅዖም ዘላቕን ነባርን ስምምዕ ዘብጽሕ ክኸውን ተስፋና ዓቢ ኢዩ። ጽኑዕ ተቓላሳይ ህዝብና፣ብኣጋጣሚ ክቡር መዓልቲ ናጽነትና፣ ነቲ ሰፍ ዘይብል ዋጋ ከፊሉ ነዛ ታሪኻዊ መዓልቲ ክውን ዝገበረ ህዝብና ልዑል መጎስናን ኣድናቖትናን ክንገልጽ ንፈቱ። ብፍላይ ድማ በቲ ንጹህን ክቡርን ህይወቶም ከፊሎም፣ መንገዲ ሓርነትን ክብርን ኩርዓትን ዝመድመዱልና ሓርበኛታት ስውኣት ሰውራ ኤርትራ፣ ዘልኣለማዊ ክብርን መጎስን ይብጻሓዮም። ዕላማታት ሰውራና መሊኡ ክትግበርን፣ ሓርነትን ፍትሕን ማዕርነትን ዝሰፈና ሃገር ንምህንጻን፣ ኣብ ሃገርናን ኣብ ወጻእን ዝነብር ህዝብና፣ ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ተሳትፍኡ ከዕዝዝ ኣትሪርና ንጽውዕ። ከምኡ’ውን ኣባላት ሰራዊት ኤርትራን መኮንናቱን ኣብ ጎኒ ፍትሓዊ ቃልሲ ብምስላፍ፡ ነቲ ንልዕሊ ሳላሳ ዓመታት ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝፍጸም ዘሎ መዳርግቲ ዘይረከቦ ወጽዓን ጭቆናን ሓንሳብን ንሓዋሩን ደው ንኽብል ሃገራዊ ግዴታ ከም ዘለዎም ከነዛኻር ንፈቱ።ሓርነትን ነጻነትን ኤርትራ ብኽብሪ ተሓሊዩ ይንበር !!ዓወት ንቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ምእንቲ ዲሞክራስያዊ ለውጢ!!ክብርን ዘልዓለማዊ ዝኽርን ንጀጋኑ ስዉኣትና !!ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልንኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ24 ግንቦት 2023

ንኻልኦት ኣካፍሎም